ወያናይ በዓይኒ ኤርትራዊያን ክግለጽ እንከሎ:-
ዋርሳይ እዚኦም ሰባት ህልሚ እዮም ሃሊሞም ፣
ዘይጭበጥ ባህጊ ዘይትርጎም ሙጉት፣
ዘይህባእ ዉዲት አምቁሎም፣
ፈከራ ሃይሎም፣ በትሪ ሃሰውሰው አሚቶም።
ህልምን ጋህዲ ግን ክልተ አርስታት ኢዩ እሞ።
ህልሚ ክነሳስይ ኣይጥ እመናን ኢዩ።
እዚኦም ሰባት ግን መን ኢዮም፣
ኣብ ድቃስ ሃሊሞም ኣባይ ትግራይ ደሊዮም
ዋርሳይ አባሽመል ኣይፋልን ኢልካዮም ።
ብዝንመልኮ ቋዋንቋ ተዛሪቦም፣ 30 ዓመታትና ዘንጊኦም
ዋርሳይ
እዚኦም ሰባት ግን ኣብ ጸድፊ ኢዩ ዘሊሎም፣
ንመሬቱ መሪር መዋእል ዘህለፈ
ንመሬቱ ረዚን ዋጋ ዝከፈለ
ብፍቅሪ ሃገሩ ዝነድድ ህዝቢ ፣ ሞሳ እምበር ብደዐ አይጻሙኡን ኢዩ።
ናበይ ዩ ግን ፣ ከመይ ኢዩ እዚ ጽላሌ