ይገርመና አሎ…….
ለን ቅነ አብ ኢትዮ- ኤርትራ ዝተገብረ ምቅርራብ ብዙህ ኢዩ አዛሪቡ ፤ ብፍላይ ብወገን ኤርትራዊያን…..
እንታይ እዩ ጉዱ እንተበልና ወላ ሃደ እዃ አይረከብናሉን።
ካምንታይ ድቦቆለ ኢዩ እንተኢልና ፤ አምሃሩ ያኢ አብመንደፈራ ወሪዶም መሬትና ሂዞም መሸላ ከይዘሩኡሉ …… ወይ ኸአ አሳ ቀይህ ባህሪ ገፊፎም ከይወስዱልና። መሬት ኢትዮጵያ ኸአ ፆሙ ክሃድር ማለት ኢዩ። ዕ..ቡ….ቅ!
ተመኩሮ ናይ ወዲ አፌ ደአ 60 አመት እንዲዩ ፤ ድግሪ ድማ ብ4 አመት እንዲዩ ዝዉሰድ ። ናይ መን ክንሰምእ ደአ? ናይ ወዲ አፌ ዋላ…………ህምምም……………….? በሊህ ጉራዴ ሲ ንመትሃዚኡ ይቀዶ ኢሎሞ። ግሩም!
አሰብ እንተ ሂብናዮ ከመይ ክከውን እዩ? ንዝብል ህቶ እቲ መልሲ ቀሊል እንደአሉ ………በአል አፍሮ ጢዛ እንጀራ ይሸጣ። ሆቴል እንዳ ኒኖ ኸአ ሰብ ይድቅሰሉ .. እቲ ብበቀቀንን ብሃሩርን ዝሳቀ ዘሎ ኸአ ስራህ ይረክብ ። እዚ እሞ ዘህጉስ ብስራት ደይኮነ… ናይ ምንታይ ፕሮቶኮል ኢዩ ዘድልዮ እዚ? ቀልጢፍካ ሂብካ ብሰአን ስራህ ንዝሳቀ ዘሎ ፍታህ ምርካብ እምበሪ።
ነዚ ከይወስዱልና፤ ነቲ ከይወርሱና ዝብል እሽነት ደአ ካበይ ኢዩ ነቂሉ? ነየናይ ከይወስዱልና ኢና ፈርሂና? ነቲ ጎቦ ናቅፋ። ነቲ ገረብን ማይን ሰኢኑ ነቂዑ ዘሎ መሬት? እሞ ነየናይ?
ወዲ አፌ አይዉክለናን !…ንብል ኸአ…….ወይለይ !…………….ወረግ ንኤርትራ እንተሂቡልናስ አብ አዲ አምሃራ መሬት ምረከብናሞ፤ ማይ ወለክለክ ዝብለሉ አዲ ህርሻና ጌርና ቀሲና ምሃደርና ። ዋላ ምተዛወርና ከማን ። ብሰንኪ ሰአን ተጠቀምቲ ወደባትና እንዲዩ አደዳ ሽግርን መከራን ኮይኑና፤ ጨዉና ከማን ገዛኢ ሰኢኑ ተደርብዩ ዘሎ።
እቲ ሙግት ግብራዊ እንተዝከዉን ንኩላትና ምጠቀመና። እቲ ሃቂ ግና፤ ኢትዮጵያዉያን ናይ ኤርትራ በር እንተዝክፈተሎም፤ ሆቴላት ናይ አስመራ፣ ናይ ማሳዋ ስራህ ምረከባ። ጭንቂ ምጎደለልና። ነዚ ንክንፈልጦ ኸአ ድግሪ ናይ ኢኮኖሚክስ አየድልዮን እዪ። በቲ ናይ በረኻ ተሞክሮና ሸረር ክነብሎ ኢና።
ከም ወዲ አፌ ግምጥልጥል እናበልካ ክዉንነታዊን ግብራዊን ምላሽ እንደሃብካ ንቅድሚት ምምራሽ ይሃይሽ ፤ ዋላ ከምቀደምና በእሽነት ምንባር?
ንቅድሚት ክንስጉም እንተደሊና ኸአ ንነብስና ክንምህራን ነቲ ንዘይጠቅመና ነገራት ኸአ ክንገድፎ አለና (we need to forgive ourselves and release the stuff that no longer serves us)። ብከመይ እሞ ንቅድሚት ክንምርሽ።
ብዘይ ፍረ ነገር ፣ በቲ ዘአረገ ስነሃሳብ ምምጉዋት ሲ ቆርበት ምልፋእ እዩ ። ወላ ሃደ እዃ ጥቅሚ የብሉን።
እቲ ስቃይ፣ ስቃይ ህዝቢ እምበር መአስ ናይ ወዲ አፌ ኮይኑ .. ቁሩብ እባ……ሃየንታ… ነቲ ካልእ ነገር ግዜ ክንፈለልየሉ አይምሃሸን ዶ?
king